2027 ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ Seattle Housing Authority

Seattle Housing Authority (SHA) ብዛዕባ ናይ 2027 ባጀቱ ውሳነታት ንኽህብ ሓግዙ። ነዚ ዳህሳስ ብምምላእ ኣረኣእያኹምን ቀዳምነታትኩምን ኣካፍሉ።

መልሲኹም ስም ዘይገልፅ ክኸውን እዩ፤ ከምኡ’ውን ኣብ መንበሪ ገዛኹም፣ ዝኾነ እትረኽብዎ ኣገልግሎት፣ ወይ ዝኾነ እትረኽብዎ ፋይናንሳዊ ደገፍ ፅልዋ ኣይክህልዎን እዩ።

እቲ ናይ ዳህሳስ መልስታት ኣብ ዓመታዊ መስርሕ ትልሚ ባጀት ንምግምጋምን ኣብ ግምት ንምእታውን ምስ ክፍልታት SHA ክእከብን ክካፈልን እዩ። መልሲታት ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ፣ ንተኻረይትና ቀዳምነት ዝወሃቦም ህሉዋት መደባት ንምልላይ ከም እንጥቀመሉ ተስፋ ንገብር። SHA፣ ብፍላይ እቶም ንተኻረይትና ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝኾኑ ኣገልግሎታት ቀፃልነት ደረጃታት ኣገልግሎት ስራሕ ኣብ ምርግጋፅ ክሰርሕ እዩ።

ነዚ ናይ ባጀት ዳህሳስ እንተ መሊእኩም፣፡ ንሽልማት ኣብ ዝግበር ዕጫ ክትሳተፉ ዕድል ክትረኽቡ ኢኹም። ነዚ ናይ ባጀት ዳህሳስ ዝሃብክሞ መልሲ ምስ'ቲ ዝኣቱ ሽልማትኩም ዝተኣሳሰር ኣይኮነን፤ ስምኩም ዝገልፅ ኣይክኸውንን እዩ፤ ሽልማት ንክትረኽቡ ናይ ምምራፅ ዕድልኩም ዝፀሉ እውብ ኣይኰነን። ኣብ ዕጫ ሽልማት ዝሳተፉ ክሳብ 40 ዝኾኑ መልሲ ዝሃቡ ሰባት $25 ቸክ ንክረኽቡ ክምረፁ እዮም።

ብኽብረትኩም ካልኦት ክሳተፉ ኣተባብዕዎም። የቐንየልና! 


መምርሒታት ዳህሳስ፦  
ብኽብረትኩም ንዓኹም ብዝበለፀ ኣብ ዝምልከቱ ሳፁናት ምልክት ግበሩ።
1.ምስ Seattle Housing Authority ዘለኩም ቀንዲ ዝምድና እንታይ እዩ? ብኽብረትኩም ኩሎም ዝምልከቶም ምረፁ።(Required.)
2.ንክንደይ ዓመት ዝኣክል ቫውቸር መማረፂ ደገፍ መንበሪ ገዛ ተጠቃሚ ወይ ከዓ ኣብ SHA ነባሪ ኰይንኹም?(Required.)
2 / 6